Hopp til hovedinnhold

ቤት ምግብን ናይ ምግቢ መስርሕን

ዝተመሃርካዮ

  • ብዛዕባ ዳይት፣ መኣዛ ምግብን ዝተመታጠነ ምግብን
  • ምድላውን ምቕራብን ምግቢ
  • ጥረ ነገራትን፣ ምግብን፣ መስተን ከመይ ከም እተዳሉ
  • ብዛዕባ ናይ ምግቢ ባህልታት
  • ብዛዕባ ጥዕና ከበልጽጉ ዝኽእሉ መነባብሮን ጽርየትን

ክትከውን ዘለካ

  • ብተግባር ዝምባለ ዘለካን በእዳውካ ምስራሕ ድማ ጎበዝ
  • መሃዝን ልክዕን
  • ኣገልግሎት ንምሃብ ድልው

ክትኮኖ ትኽእል

  • ኮኮ፣ ናይ መኣዛ ምግቢ ኮኮ ወይድማ ዋይተር
  • ሰንካቲ ባንኒ ወይድማ ሰንካቲ ኬክ
  • ሶሴጅ(ጸብሒ) ሰራሕ ወይድማ ከታፊ ስጋ
  • ሓራድስጋ፣ ፍረሽ ኣስቤዛ ሸያጣይ ወይድማ ናይ ባሕሪ ምግቢ ሸያጣይ
  • ናይ ባሕሪ ምግቢ መፍረ በዓልሞያ ወይድማ ናይ ምግቢ ፍርያት በዓልሞያ
    ኩሎም ሞያታትን ብቕዓታትን ረአዩ

ናይ ስራሕ ቦታ

  • ሆቴልን ቤት ምግብን ኢንዱስትሪ
  • ሆስፒታላትን ናይ ጥዕና ትካላትን
  • ናይ ምግቢ መፍረ ኢንዱስትሪ
  • እንዳ ባኒ፣ እንዳ ኬክ፣ ወይድማ እንዳ ስጋ ዱኳናት
  • ፍረሽ ኣስቤዛታት ዝሸጡ ዱኳናት

ዝለዓለ ትምህርቲ

ሞያዊ ትምህርትን ስልጠናን ሞያዊ ዓቕሚ ንምዕባይ ይጠቅም (ዋላውን ናይ ንግዲ ፍቓድ ወይ ሰርቲፊኬት እንተዘይብልኩም). ሞያዊ ትምህርቲን ስልጠናን ምስ ወድኡ ስራሕ ወይ ዝለዓለ ትምህርቲ ክጅምሩ ይኽእሉ:

  • ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ናይ ሞያ ኮሌጅ ዝለዓለ ትምህርቲ ክወስዱ ይኽእሉ። A ሓጸርቲ ናይ ሞያ ስልጠናታት ማለት ቅድሚ ሕጂ ናይ ሞያ ትምህርትን ስልጠናን ንዝወሰዱ ዝወሃብ እዩ::
  • ክወስድዎ ዝኽእሉ
    – ድሕሪ Vg2 ወይ
    – ሞያዊ ብቕዓት ምስ ጨበጡ።
    ኣብ ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ምውሳድ ዕድል ሽዑ ክህልዎም እዩ። ሓደሓደ ናይ መጽናዕቲ ፕሮግራማት፣ ንኣብነት ከም ኢንጅነሪንግ፣ ሳይንስን ናይ ሕክምና ትምህርቲታትን ዝተወሰኑ ናይ ሳይንስ ትምህርቲታት ክህልዎም ከምዘገድዱ ይዘክሩ
  • ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ መእተዊ ድሕሪ ናይ መጀመርያ ኮርስ ወይ ብ Y- path ክምዝገቡ ይኽእሉ፣ እዚ ናብ ዝለዓለ ሞያዊ ትምህርቲ ዝወስድ መንገዲ እዩ። እቲ Y- path ንተዛማዲ ሞያዊ ልምዲ ዘለዎም ዝተሓሰበ እዩ. Preliminary courses and the Y-pathብበዝሒ ንሳይንስን ኢንጅነሪንግ ትምህርቲታትን ዘገልግል እዩ።